Unser erster Artikel auf Tigrinha ! (Hauptsprache in Eritrea)
Von Michael Okubamariam
ኣብ ሓንቲ ካብ ዝምስጣኒ ኣብ ጀርመን ትርከብ ብተዛማዲ ንእስ ዝበለት ከተማ ፖትስዳም እየ ዝነብር ዘለኹ። ብዙሕ ግዜ ካብ ሳልሳይ ደርቢ ብመስኮት ምዕዛብ ይፈቱ። ብዝሒ ጽርግያታት ኣብ ዝቆራረጸሉ ንሕጊ ሴማፎሮ ተኸቲለን ብቐደም ተኸተል ንምሕላፍ ጽቕጥቅጥ ናይ መኻይን ይዕዘብ። ዳርጋ መዓልታዊ ወይ እውን ክልተ ሰለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ፡ „ዊው ዊው“ ዝብል ረባሺ ድምጺ እናገብራ ብስራሕ ዝንቀሳቐሳ ናይ ናይ መጥፋእቲ ሓዊ፡ ናይ ፖሊስ፡ናይ ሕክምና መኻይን ድምጸን ብጣዕሚ እዩ ዝምስጠኒ ምክንያቱ ኩለን ንድሕነትን ረዲኤትን እየን ዝንቀሳቐሳ። እቲ ዘስሕቐኒ ኣብ እዛ ዝጽሕፈላ ዘለኹ እዋን እውን ከይተረፈ ድምጺ ናይ ሓንቲ ኣምቡላንስ ይሰምዕ ኣለኩ ንዓይ ግን ይምስጠኒ ጥራይ ዘይኮነ ኣመና እዩ ባህታ ዝፈጥረለይ። ቀትሪ ሴማፎሮ ተጸብዮም ዝሓልፉ ብውልቂ ይኹን ብሓባር ካብዝን ናብትን ክብሉ ገለ ብስራሕ ገለ ብምዝንጋዕ ለይቲ ከኣ ሕልፍ ሕልፍ ኢሎም መስተ ዓትዒቶም ዝንቀሳቐሱ መንእሰያት ሂይወት ከስተማቕሩ፡ ሓደ ምስ ሓንቲ ተተሓሒዞም ዝንቀሳቐሱ ናይ ዕድመ ሰብ ጸጋ ክዕዘብ እንከለኹ ብጣዕሚ ይስሕቡኒ። ሕልፍ ሕልፍ ኢሎም ኣብ ከንፈሮም ይሰዓዓሙ ኣካል ናጽነቶምን ምትእምማኖምን ስለዝኾነ እዮም ዝሰዓዓሙ ዝኾኑ ኢለ ይሓስብ። ሰብ ጸጋ ዕድመ ኣብ ኤርትራ ሃገረይ ኣብ ጎደናታት ክሰዓዓሙ ዘይልሙድ እዩ። ኣብ ፖትስዳም ግን ንቡር ኮይኑ ጸኒሕኒ። ኣብ እዛ ዘለኽዋ ቦታ ኮይነ ንግዳም ብምዕዛብ ካብ ተግባራት ደቅ-ሰባት ብዙሕ እየ ዝመሃር። ገለ ተሓቛቖፉ ገለ ይሰዓዓሙ ገለ ይተሓላለዩ፡ ገለ ይደጋገፉ፡ ገለ ይጸራረፉ ገለ ካልእ በቃ ህይወት ብብዙሕነት ዝቖመት እያ። ብዙሕነት ከኣ ጽባቐ እዩ። ካልእ ኣብ ብመስኮት ኮይነ ክሳብ ርሑቕ ብምምዕዳው ዝምስጠኒ ሰጥ ዝበለ በግራብ ዝተሸፈነ ብማያዊ ክፍሊ ዝቆራረጽ ቅርጺ-መሬት ከኣ ናብ ልበይ ኣትዩ ናይ ጽባቐ ጠለስታ እዩ ዝፈጥረለይ። ግን ድማ ንእግረመንገደይ ሕቶ የልዕል እዘን ንምንባር መቐረት ወሲኸናሊ ዘለዋ ኣዚየን ብዙሓት መኻይንሲ ክንድምንታይ ብዝሒ ዘለዎ ነዳዲ የጥፍኣ ይኾና፧ ኣብ ክሊማዊ ለውጢኸ ኸመይ ይጸልዋና ይህልዋ፧ ይሓስብን የተሓሳስበንን።




